Mohammed-Nur Hamed Semra

ኤርትራዊ ኣቦ መበል 123 ዓመት ዕድመኦም ጸምቢሎም

“ዕምሪ ኣብ ኢድ ረቢ’ኳ እንተኾነ፡ ወዲ- ሰብ ኣብ ሂወቱ ካብ ሃሳዪ ወልፍታትን ተግባራትን ምስ ዝእለ፡ ዕድመ ናይ ምንዋሕ ዕድሉ ርሒብ እዩ” ብምባል’ዮም ኣቶ መሓመድ-ኑር ካብ ተመኲሮኦም ዘረድኡ።

ኣቶ መሓመድ-ኑር ሓምድ ሰምራ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ፡ መበል 123 ዓመት ዕድመኦም ጸምቢሎም።

እዞም ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ – ከባቢ ሕጥምሎ ዝነብሩ ዜጋ፡ ብ1893 ከምእተወልዱ’ዮም ዝሕብሩ። ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡ፡ ናይ ምስማዕ፡ ምርኣይ ይኹን ምንቅስቓስ ጸገም ከምዘይብሎም ዝጠቕሱ ኣቶ መሓመድ-ኑር፡ ኣብ ኣመጋግባኦም ስጋ ከብቲ ከምዘይበልዑ ገሊጾም።